{"product_id":"ደረጃኻ-ምዕባይ","title":"ደረጃኻ ምዕባይ","description":"\u003cp\u003e\u003cspan\u003eኣብ ንግዲ፡ ነፍስ-ወከፍ ህሞት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዝፍጠር። እቲ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eዝቕጽል ቢል ጌትስ፡ ስርዓት መመስርሒ ኮምፒተር (operating system) \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eኣይሃንጽን እዩ። እቲ ዝመጽእ ላሪ ፔጅ ወይ ሰርጂ ብሪን መድለዪ ሓበሬታ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003e(search engine) መርከቢ ኣይክሰርሑን እዮም። እቲ ዝቕጽል ማርክ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eዙከርበርግ ድማ፡ ማሕበራዊ መርበብ ኣይፈጥርን እዩ። ንሓደ ካብኣቶም \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eክትደግም ትሓስብ ኣለኻ እንተደኣ ኴንካ፡ ካብኦም ኣይክትመሃርን ኢኻ።\u003c\/span\u003e\u003c\/p\u003e\n\u003cp\u003e\u003cspan\u003eግደ ሓቂ፡ ሓድሽ ካብ ምፍጣር ሞዴል ምቕዳሕ ይቐልል። ነቲ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eብኸመይ ንሰርሖ ኣቐዲምና ንፈልጦ ነገር ምስራሕ፡ ንዓለም ካብ 1 ናብ (n) \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eመቝጽሪ ዘይብሉ ደረጃ ይወስዳ፣ ንፈልጦ ነገር ድማ መሊሱ ይውስኸላ። \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eሓድሽ ነገር ኣብ ንፈጥረሉ እዋን ግን፡ ካብ ዜሮ ናብ 1 ኢና ንኸይድ። \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eምኽንያቱ፡ ናይ ምፍጣር ተግባር ንጽል እዩ። ከምቲ ክፍጠር ከሎ ዘለዎ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eፍሉይ ህሞት፡ ውጽኢቱ ሓድሽን ዘገርምን ነገር እዩ ዝኸውን።\u003c\/span\u003e\u003c\/p\u003e\n\u003cp\u003e\u003cspan\u003eመጽሓፍ ‘ደረጃኻ ምዕባይ’፡ ሓደስቲ ነገራት ዝፈጥራ ትካላት \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eብኸመይ ትሃንጽ፡ ትገልጽ እያ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት፡ ኩሉ’ቲ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eብቐጥታ፡ ከም ሓባራዊ መስረትቲ ፔይፓልን ፓላንቲርን፡ ድሕሪኡ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eድማ ኣብ ኣማኢት ጀመርቲ ትካላት ኣውፋሪ፡ እንተላይ ኣብ ፌስ-ቡክን \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eስፔስኤክስን ዝተማሃርኩዎ’ዩ። ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ ዝተፈላለዩ ቅዲታት \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eኣስተብሂለ እኳ እንተዀንኩ፡ ኣብዚ ከዘንትዎም ከለኹ ግን፡ እዛ መጽሓ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eናይ ዓወት መምሪሒት እያ ማለት ኣይኰነትን። እቲ ኣብ ዋነንተኛነት \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eዘሎ ስጊንጥራዊ ትምህርቲ ምርኵስ ብምግባር፡ ከም’ዚ ዓይነት መምሪሒ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eኣይህሉን እዩ። ምኽንያቱ፡ ነፍስ-ወከፍ ምህዞ ሓድሽን ፍሉይን ስለ ዝዀነ: \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eዝዀነ በዓል መዚ ከመይ ጌርካ መሃዚ ክትከውን ከም ትኽእል ብጭቡጥ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eኣዘራርባ ክእዝዝ ኣይክእልን’ዩ። ብርግጽ እቲ እንኮ ዘስተብሃልኩሉ ሓያል \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eቅዲ፡ እቶም ዕዉታት ሰባት ኣብ ዘይተጸበይዎ ቦታታት ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eነገር ከም ዝረኽቡን ኣብ ክንዲ ብመምርሒ ዝኸዱ ከኣ፡ መትከላዊ ሓሳብ \u003c\/span\u003e\u003cspan\u003eሓሲቦም ንግዳዊ ትካላት ክፈጥሩ ዝፍትኑን እዮም።\u003c\/span\u003e\u003c\/p\u003e","brand":"Lsan Welodey","offers":[{"title":"Default Title","offer_id":57144654528777,"sku":null,"price":165.0,"currency_code":"SEK","in_stock":true}],"thumbnail_url":"\/\/cdn.shopify.com\/s\/files\/1\/0701\/3105\/6905\/files\/93485966-23AE-4265-B197-28177AA58026.jpg?v=1781786061","url":"https:\/\/lsanwelodey.com\/products\/%e1%8b%b0%e1%88%a8%e1%8c%83%e1%8a%bb-%e1%88%9d%e1%8b%95%e1%89%a3%e1%8b%ad","provider":"Lsan Welodey","version":"1.0","type":"link"}