Skip to product information
1 of 1

መልእኽታት ቅዱስ እግናጥዮስ

መልእኽታት ቅዱስ እግናጥዮስ

Regular price 184 SEK
Regular price Sale price 184 SEK
Sale Sold out
Tax included.

መልእኽታት ቅዱስ እግናጥዮስ

እግናጥዮስ ዘኣንጾክያ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ክርስቲያን ጸሓፍቲ ኮይኑ ድሕሪ እቶም ወንጌልን መጻሕፍቲ ሓዲሽ ኪዳን እዩ ዝስራዕ። ስለዚ እቲ ዘጽንሖ ሃይማኖታዊ ውርሻ ዘይከምቲ ምውሓዱ ኣዚዩ ክቡር እዩ።

 

መዓስ ዓመተ-ምሕረት ከም ዝተወልደ ፍሉጥ ኣይኮነን፡ ሶርያዊ ከም ዝነበረ ግን ይግምገም እዩ። ሮማዊ እንተ ዝኸውን ናብ ኣራዊት እንስሳ ክድርበ ኣይምተፈርዶን። ኣቦኡ ድማ መምለኺ ጣዖት እምበር ኣይሁዳዊ ኣይነበረን፡ ንሱውን ምናልባት ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ክርስትና ሰጊሩ ይኸውን።

 

ካብቲ ኣብ ኢድና ዝበጽሐ ሾብዓተ መልእኽትታት ከም ዘግህዶ ግሩም ባህሊ ግሪኽ ተማሂሩ እዩ። ናብ ሰማእትነት ገጹ እንዳ ኸደ ኣብ መልእኽትታቱ ዝተፈላለየ ቅዲ ኣዘራርባን ኣብ እዋኑ ዝውቱር ዝነበረ በብዓይነቱ ቅዲ መደረን ሞራላዊ ብልሓትን ተጠቂሙ እዩ።

 

ኣብ ምጅማር ካልኣይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ኣፎድዮስ ካልኣይ ጳጳስ ከተማ ኣንጾክያ ኮይኑ እዩ ተሸይሙ። ጵጵስና እግናጥዮስ ካብ ውሑዳት ዓመታት ዝሓልፍ ኣይነበረን። ሃጸይ ቄሳር ትራጃን ንክርስቶስ የሳድደሉ ኣብ ዝነበረ እዋን (98-110 ዓ.ም) ተኣስረ፡ ብሕቡእ ከኣ ምስ ደቀ-መዛምርቱ ናብ ሮማ ተላእከ፡ ናብ ኣራዊት እንስሳታት ክድርበዩ ንሞት ተፈርዱ። ህዝቢ ሮማ ኣራዊት እንስሳታት ነቶም ናብኦም ዝተደርበዩ ሰባት ክጥቕዕዎምን ክበልዕዎምን ምርኣይ ባህ ይብሎ ነበረ። ትራጃን ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ንጸላእቱ ናይ ዝሰዓሮም ምጽምባል ብጹሓት ነፍሳት ናብ ብዙሓት ኣራዊት ይስንድዎም ነበረ። እግናጥዮስ ድማ ኣብቲ ናይ ጥንቲ ዜና ከም ዝሰፈረ ኣብ 107 ዓ.ም ብሰማእትነት ሓለፈ።

View full details