ሜላ ህይወት
ሜላ ህይወት
ኩሉ ሰብ ብኹሉ መዳይ ጥዑይ ዝኾነ ህይወት ክመርሕ ምእንቲ ክኽእል መንግስታዊ, ኣካላዊ, ተገደስቲ ውድባት, ገበርቲ ሰናይ ማሕበራትን, ውልቀ ሰባትን ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖምን ኣለዉን። መብዛሕትኦም ንስለ ስድሕነት ህይወት ደቂ ሰባት ከም መዋጽኦ ዝተቀበልዎ መንገዲ እንተሃልዩ ከኣ ብጥበብ ወይ ብሜላ ምንባር ዝብል ኣምር’ዩ።
ብሜላ ምንባር ማለት እንታይ ማለት እዩ? ንዝብል ሕቶ ብዙሕ መልሲ እካ ዝወሃብ እንተኾነ እቲ መዓልታዊ ጠለባትና ክነማልእ ንኽንብል ዘጋጥሙና ናይ ህይወት ዕንቅፋታት ብዝግባእ እናመርመርና ምስ ውሕሉል ጠባያት ብዝሳነ መገዲ ንምብድሆም ዝሕግዝ ናይ ኣነባብራ ክእለት’ዩ። ዝብል ብ 1997 ብዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዝተዋህበ ትርጓመ ግን ዝበዝሕ ተቀባልነት ከምዝረኸበ ይንገር።
ደቂ ሰባት ኣብዛ ዓለም ንእንነብረላን ሒደት ዓመታት ጥጡሓት ንኹኾነልና ሜላ ኣብ ገዛእ ርእስና, ሜላ ምስ ቤተ ሰብና,ሜላ ምስ መቅርብናን ጎረባብትናን ከምኡ ውን ኣብ ትምህርትናን ስራሕናን ክህልወና ኣገዳሲ’ዩ። ካብዚ ድማ እቲ ፍቱን ኣማራጺ ንጽቡቅ መነባብሮ ደቂ ሰባት ብሜላ ምንባር ጥራሕ ምዃኑ ንግንዘብ።
ስለዚ ተኽሊ ሰብነትና ኣብ ምጉልዕላዑ ንኸይቅምስል ኣብ ኣእምሮና ንዘዐንበብናዮም ኣገደስቲ ናይ ህይወት ውጥናት ኣብ ፍረ ከከይበጽሐ ንኸይረግፉ ሜላ’ዩ ዘድልየናሞ ንስለ’ዛ ክብርቲ ህይወትና ክንብል መንገዲ ሜላ ንለማመድ።