Skip to product information
1 of 1

Lsan Welodey

ምስጢር ጥንሲ

ምስጢር ጥንሲ

Regular price 251 kr
Regular price Sale price 251 kr
Sale Sold out
Taxes included.

ጥንሲ 9 ወርሒ ዘይኮነ 12 ወርሒ እዩ::

ደራሲ: ያቆብ ተኽላይ

ፈጥሪ ሓደ ካብቶም ዝሃበና ውህበት ክንፈራየሉን ክንበዝሓልኑን መገዲ ጾታዊ ርክብ ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ጓል-ኣንስተይቲን ወዲ-ተባዕታይን መስርሕ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም የድሊ ከም ውጽኢቱ ድማ ፍረ ከርሶም ክሕዙ ይበቅዑ። ጥንሲ መሰረታዊ ናይ ደቂ ሰባት ኮይኑ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ዘሰጋግረና መስርሕ ናይ ህይወት ኢዩ። ውሕስነትን ቀጻልነትን ናይ ወለዶታትን ህዝቢን ኣብ ትሃንጾን ኣብ ተፍርዮን ኢዩ ዝምርኮሰ። ከምቲ ንሓንቲ መሬት ዘርኢ ቅድሚ ምዝራእካ ጽብቕ ማዕድናት መታን ክህልዎ ድኹዒ ትድክዖ፡ እንሳታት ከይኣትዉ ሓጹር ትገብረሉ፡ መኣስ ከምትዘርኦ ወቅቲ እትመርጽ። ልክዕ ጥንሲ ድማ ቅድሚ ጥንሲ ምፍጣሩ 3 ወርሒ ስሩዕ ኣመጋግባ፡ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቃስ፡ ጽሬት ኣፍን ኣስናንን፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ገንዘብ፡ ምዕባይ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ርዲኢት፡ ክታበት ምውሳድ፡ ካልኦት ንህይወትና ዝጠቅሙናን ዘዕብዩናን ነገራት ክንሰርሕ ይግባኣና። ስለዚ ድማ ጥንሲ ቅድሚ ጥንሲ ምፍጣሩ 3 ወርሒ ተዳሊናሉ ክንጸንሕ ይግባእ። ከም ውጺኢቱ ድማ ጥዑይ ውላድ ብኣካላውን ብኣእምራውን ምህናጽ ካብ ሕማማት ምክልኻል ኣብ ውላድ ዝፍጠር ተጽዕኖ ንምቅናስ ውሑስ ዜጋ ንምስራት የብቅዓና። ኩነታት ጥዕና ኣደ ቅድሚ ጥንሲ፡ ኣብ ግዜ ጥንሲ፡ ድሕሪ ሕርሲ ንስድራ-ቤትን ንሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ ኣገዳስን ጠቓምን ኢዩ። ምኽንያቱ ጥዕይቲ ኣደ መሰረት ጥዑይ ስድራ-ቤትን ሕብረተ-ሰብ ስለ ዝኾነት። “ስለዚ ድማ ምስጢር ጥንሲ” ጸገማት ኣብ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምፍታሕ፡ ሞት ኣደን ዕሸልን ኣብ ምቅናስ፡ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል፡ ስሩዕ ኣተዓባብያ ውላድ ኣብ ምስትምሃር፡ ጥዑይ ስርዓተ ኣመጋግባ ኣብ ምፍጣር፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ውሑስ መገዲ ኣብ ምትግባርን ኣካላዊ ኣብ ምህናጽን፡ ውጥርን ጭንቐትን ኣብ ምፍታሕን “ጥንሲ 9 ወርሒ ኣይኮነን 12 ወርሒ ኢዩ” ብዝብል ንጹር መትከል ተሃኒጻ ናብ ህዝቢ ቀሪባ ኣላ።

View full details