Skip to product information
1 of 1

ኣጠማምታ ኲሉ ነገር እዩ

ኣጠማምታ ኲሉ ነገር እዩ

Regular price 219 SEK
Regular price Sale price 219 SEK
Sale Sold out
Tax included.

ኣብ 1980 ካብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ተመረቕኩ፣ ምሉእ ዕድመይ ጠበቓ ክኸውን እየ ኢለ ድማ ሓሰብኩ። ደሓር ከኣ፣ ካብ ግዜ ንእስነተይ ጀሚሩ ድልየተይ ጠበቓ ምዃን እዩ ኔሩ። ኣብ መጀመርታ ኩሉ ነገር ብመሰረት መደበይ ከደ። ኣብߴታ ዓመት ኣብ ወርሓት ክረምቲ ብዙሕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባር፣ ነቲ ተዳልዩ ዝነበረ ፈተና ብምሕላፍ ኣብ ኒው ዮርክ ናይ ሕጊ ልምምድ ክገብር ተፈቕደለይ። ውልቃዊ ህይወተይߴውን ምምሕያሽ የርኢ ነበረ። ኣብ መጀመርታ 1981፣ ነታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ መማህርተይ ዝነበረት ዶሎረስ ተመርዓኹዋ። ንርእሰይ ከኣ ኣብ ዓወትን ሓጐስን ዝመልኦ መገዲ ረኸብኩዋ። ብውሑዱ ህይወተይ ኣብ ዓወትን ሓጐስን ዝመልኦ መገዲ ዝረኸብኩዋ መሰለኒ። ይኹን እምበር ንሒደት ዓመታት ናይ ሕጊ ልምምድ ምስ ገበርኩ፣ ሕጉስ ከም ዘይነበርኩ ተረዳእኩ። ብርግጽ ጠበቓ ብምዃነይ ገለ ዝፈተኹዎም ነገራት ኔሮም እዮም። ነቲ ኣብ መንጎ ሰባት ዘጋጥም ዝነበረ ባእሲ ኣብ ምፍታሕ ኣበርክቶ ብምግባረይ፣ ሓጐስ ተሰምዓኒ። ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ዝተናውሐ ናይ ሕጊ ኣገባብ ዘጋጥም ቃንዛ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝውዳእ ክገብረሎም ከሎኹ፣ ባህታ እስምዓኒ ነበረ። እንተ ኾነ ግና ጠበቓ ካብ ምዃነይ ዝነቐለ፣ ብዙሓት ዝጸልኦም ነገራት ኔሮም እዮም። በዚ ምኽንያት ህይወተይ ትውዳእ ዘላ መሲሉ ተሰምዓኒ። እወ ዘሰልክዩ ኩምራታት ዕዮ ወረቐት! ምድላው ዘድልዮም ምሕጽንታታት! ቀጸልቲ ምድንጓያትን ውንዘፋታትን። ሓደ ጉዳይ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ከይረኸበ ንዓሰርተ ግዜ ክናዋሕ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ነበረ። ኣብ ስርሐይ ደጋጊመ ዓገግ በልኩ፤ ግናኸ ጠበቓ ኮይነ ምስርሐይ መመሊሰ ዕግበት ሰኣንኩሉ። ተስፋ ዝቘረጽኩን ኣዝየ ዝሓዘንኩን ሰብ ኰንኩ። ብዘይ ሕብእምብእ ንምዝራብ፣ ንህይወተይ ጸላእኩዋ። ነገራት ዝመሓየሹሉ መገዲߴውን ኣይተራእየንን። ዝበዝሑ መዓልትታት ናብ ስራሕ ብምኻድካ ጭንቀት ዝፈጠረልካ ዓይነት ስራሕ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ኩሉ መዓልቲ ናይ'ዛ ዓለም ሰኽሚ ብምሉኡ ኣብ መንኩብካ ዝወደቐ ኮይኑኸ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ግርም! ንዓይ ልክዕ ከምኡ ዓይነት ስምዒትߴዩ ዝስምዓኒ ኔሩ። ብልክዕ ንምዝራብ፣ ብኣካልን ብስምዒትን ሓጐብኩ። ልዕሊ ዕድመይ ዝኣረግኩ መሰልኩ። ኩሉ ግዜ ሕማም ርእሲ ክስምዓኒ ጀመረ። ከብደይߴውን ብቐጻሊ ይሕቈን ነበረ። ከቢድ ሕማም ኣሎኒ ኢለ ብምስጋእ፣ ናብ ገለ ሓካይም ከድኩ። ንሳቶም ድማ ብዙሕ መርመራ ገበሩለይ። ናይ ነፍሲወከፍ መርመራ ውጽኢት ተመሳሳሊ ዀነ - ዋላ ሓደ ናይ ጥዕና ጸገም ክረኽቡለይ ኣይከኣሉን። ሓደ ዶክተር ነቲ ዝሕቈን ዝነበረ ከብደይ ወይ ከስዐይ ንምህዳእ፣ ሚሎክስ (Maalox) ዝተሰምየ መድሃኒት ክወስድ መኸረኒ። ብመንፈሳዊ ዓይኒ ክርአ ከሎ፣ ምዉት ሰብ ነበርኩ። ኣብ ህይወተይ ዋላ ሓደ ትርጉም ዝነበሮ ነገር ኣይነበረን። እዚ ድማ መዓልቲ-መጸ ንህላወይ ኣሰልካዪ ክኸውን ጽልዋ ኣሕደረሉ። ዋላߴኳ ኣብ መወዳእታ ዕስራታት እንተ ነበርኩ፣ ወዲ ኣርብዓ ዓመት እመስል ነበርኩ። ... ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ፣ ዘሐጉስ ዜና ኣሎ። ሓሳባትካ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ፤ በዚ ድማ ውጽኢትካ ክትቅይር ትኽእል ኢኻ። እዚ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል እንሆ። ምሉእ መዓልቲ ንርእስኻ ብዛዕባ እትነግራ ነገር ንቕሓት ይሃልኻ። ነፍሲወከፍና ውሽጣዊ ድምጺ ኣሎና። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ምስ ገዛእ ርእስና ንዘራረብ ኢና። ይኹን እምበር እቲ ምስ ገዛእ ርእስና እንገብሮ ዝርርብ ኣሉታዊ፣ ነቐፌታዊ፣ ነብሰ-ገዳቢ እዩ። ምናልባት ገዛእ ርእስኻ ከምߴዚ እናበለት ክትረኽባ ትኽእል ኢኻ፣ "እዚ ክገብሮ ኣይክእልን እየ፣" ወይ "ኩሉ ግዜ ነገራት ምስ ኣጋዕዘኩ እየ።" እዞም ሓሳባት ኣንጻርካ ዝሰርሑ ሓሳባት እዮም። ብኣንጻሩ ንርእስኻ ዕላማኣ ኣብ ማዕልቦኡ ከተብጽሕ ከም እትኽእልን ከም እተብጽሖን ደጋጊምካ ንገራ።

View full details