Lsan Welodey
ኩሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ
ኩሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ
Couldn't load pickup availability
ኵሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ (Don't Believe Everything You Think)
ትርጉም ኣማን ደስበለ — ደራሲ ዮሴፍ ንጉየን
ኣብ ህይወትካ ምሉእ ሰላም፡ ሓጐስን ናጽነትን ንምርካብ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ጥራይ ኢኻ ርሒቕካ ዘለኻ — ንሳ ድማ "ዘይምሕሳብ" እያ።ጭንቀት፡ ወጥርን ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብን ከም ሰንሰለት ኰይኖም ኣሲሮምኻ እንተ ጸኒሖም፡ እቲ ነዚ ዅሉ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ዝወልድ ናይ ሓቂ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ክትግንዘብ ግዜኡ ሕጂ እዩ። ኣብዛ ህይወት እትቕይር መጽሓፍ፡ ዮሴፍ ንጉየን ንምንጪ ስቓይና ብሓድሽ ኣረኣእያ ዘቃልዕን ዘብርህን መገዲ የቕርብ። እዛመጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እወታዊ ሓሳባት ምሕሳብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባከመይ ገይርና ካብቲ ዘሳቕየና ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብ ሓራ ከም እንወጽእእያ እትምህር።
ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምንባብ፡ ሱር ጠንቂ ዅሉ ስቓይና ግዳማውያንፍጻሜታት ዘይኰነስ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባትን ነቶም ፍጻሜታትእንህቦም ትርጉምን ከም ዝቕረጽ ክትግንዘብ ኢኻ። ኣብ መንጎ ሓሳባትን ምሕሳብን ዘሎ ፍልልይ ብምፍላጥ ድማ፡ ሓሳባት ብኸምኡ ክመጹኸለዉ ጸገም ከም ዘይብሎም፡ ስቓይ ዝጅምር ግን ንሓሳባትና ካብመጠን ንላዕሊ ክንትንትኖምን ክንፈርዶምን ከለና ምዃኑ ክትመሃር ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ተመኲሮ ደቂ ሰባት ብኸመይ ከም ዝፍጠር ዘረድኡሰለስተ ኣድማሳውያን መትከላት (ኣድማሳዊ ኣእምሮ፡ ኣድማሳዊቀልቢን፡ ኣድማሳዊ ሓሳባትን) እንታይ ምዃኖም ክትፈልጥ ኢኻ። እዚጥራይ ዘይኰነስ፡ ከመይ ጌርካ ከይሓሰብካ ወይ ብዘይ ኣእምሮኣዊጫውጫውታ ኣብ "ዞና" ወይ ዋሕዚ ብምእታው ኣብ ስራሕካንህይወትካን ዝለዓለ ጥርዚ ብቕዓት ከተርኢ ከም እትኽእል ክትርኢ ኢኻ።ሓጐስ፡ ፍቕርን ሰላምን ድሮ ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ተፈጥሮኣውያንጸጋታት ምዃኖምን፡ ነዚኣቶም ንምምኳር ድማ ምሕሳብ ምቍራጽ ጥራይ ከም ዘድሊ ብምግላጽ ባህርያዊ ኵነተ-ህላዌኻ ክትርዳእ ክትሕግዘካ እያ።
እዛ መጽሓፍ ንኣእምሮኣዊ ወጥርን ጭንቀትን መዕረፊ ክረኽበሉ ዝደሊ፡ ካብ ናይ ትማልን ጽባሕን ፍርሒ ወጺኡ ኣብዛ ህልውቲ ዓለምብሰላም ክነብር ዝደሊ፡ ከምኡ እውን ውሽጣዊ ጥበቡን ዓቕሙንኣነቓቒሑ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዕብየት ክሰጋገር ንዝደሊ ዝዀነ ሰብእተዳለወት ክብርቲ ህያብ እያ። ሸሪል ሳንበርግ ከም ዝበለቶ፡ "ነቲዘይተገንዘብናዮ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሓንሳብ ምስተገንዘብናዮድማ ካብ ለውጢ ክንቦክር ኣይንኽእልን ኢና፡፡" ስለዚ ሕጂ ንውሽጣዊ ሰላምካ መገዲ ክፈተሉ፣ ነዛ መጽሓፍ ኣንብባ እሞ፡ ህይወትካ ካብውሽጢ ናብ ደገ ክትቅየር ተዓዘብ።
Share
