Skip to product information
1 of 1

Lsan Welodey

ደረጃኻ ምዕባይ

ደረጃኻ ምዕባይ

Regular price 165.00 kr
Regular price 220.00 kr Sale price 165.00 kr
Sale Sold out
Taxes included.
Quantity

ኣብ ንግዲ፡ ነፍስ-ወከፍ ህሞት ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዝፍጠር። እቲ ዝቕጽል ቢል ጌትስ፡ ስርዓት መመስርሒ ኮምፒተር (operating system) ኣይሃንጽን እዩ። እቲ ዝመጽእ ላሪ ፔጅ ወይ ሰርጂ ብሪን መድለዪ ሓበሬታ (search engine) መርከቢ ኣይክሰርሑን እዮም። እቲ ዝቕጽል ማርክ ዙከርበርግ ድማ፡ ማሕበራዊ መርበብ ኣይፈጥርን እዩ። ንሓደ ካብኣቶም ክትደግም ትሓስብ ኣለኻ እንተደኣ ኴንካ፡ ካብኦም ኣይክትመሃርን ኢኻ።

ግደ ሓቂ፡ ሓድሽ ካብ ምፍጣር ሞዴል ምቕዳሕ ይቐልል። ነቲ ብኸመይ ንሰርሖ ኣቐዲምና ንፈልጦ ነገር ምስራሕ፡ ንዓለም ካብ 1 ናብ (n) መቝጽሪ ዘይብሉ ደረጃ ይወስዳ፣ ንፈልጦ ነገር ድማ መሊሱ ይውስኸላ። ሓድሽ ነገር ኣብ ንፈጥረሉ እዋን ግን፡ ካብ ዜሮ ናብ 1 ኢና ንኸይድ። ምኽንያቱ፡ ናይ ምፍጣር ተግባር ንጽል እዩ። ከምቲ ክፍጠር ከሎ ዘለዎ ፍሉይ ህሞት፡ ውጽኢቱ ሓድሽን ዘገርምን ነገር እዩ ዝኸውን።

መጽሓፍ ‘ደረጃኻ ምዕባይ’፡ ሓደስቲ ነገራት ዝፈጥራ ትካላት ብኸመይ ትሃንጽ፡ ትገልጽ እያ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ሓሳባት፡ ኩሉ’ቲ ብቐጥታ፡ ከም ሓባራዊ መስረትቲ ፔይፓልን ፓላንቲርን፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኣማኢት ጀመርቲ ትካላት ኣውፋሪ፡ እንተላይ ኣብ ፌስ-ቡክን ስፔስኤክስን ዝተማሃርኩዎ’ዩ። ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ ዝተፈላለዩ ቅዲታት ኣስተብሂለ እኳ እንተዀንኩ፡ ኣብዚ ከዘንትዎም ከለኹ ግን፡ እዛ መጽሓ ናይ ዓወት መምሪሒት እያ ማለት ኣይኰነትን። እቲ ኣብ ዋነንተኛነት ዘሎ ስጊንጥራዊ ትምህርቲ ምርኵስ ብምግባር፡ ከም’ዚ ዓይነት መምሪሒ ኣይህሉን እዩ። ምኽንያቱ፡ ነፍስ-ወከፍ ምህዞ ሓድሽን ፍሉይን ስለ ዝዀነ: ዝዀነ በዓል መዚ ከመይ ጌርካ መሃዚ ክትከውን ከም ትኽእል ብጭቡጥ ኣዘራርባ ክእዝዝ ኣይክእልን’ዩ። ብርግጽ እቲ እንኮ ዘስተብሃልኩሉ ሓያል ቅዲ፡ እቶም ዕዉታት ሰባት ኣብ ዘይተጸበይዎ ቦታታት ኣዝዩ ዋጋ ዘለዎ ነገር ከም ዝረኽቡን ኣብ ክንዲ ብመምርሒ ዝኸዱ ከኣ፡ መትከላዊ ሓሳብ ሓሲቦም ንግዳዊ ትካላት ክፈጥሩ ዝፍትኑን እዮም።

View full details