Skip to product information
1 of 1

Lsan Welodey

ጥበብ መሸጣ

ጥበብ መሸጣ

Regular price 218 kr
Regular price Sale price 218 kr
Sale Sold out
Taxes included.

“ስእለ ኣእምሮ ማለት ዳርጋ ከም ዘለዎ፣ እቲ ሰብ ዝፈጠሮ ኩሉ ውጥናት ዝንጸባረቐሉ መድረኽ’ዩ” ናፖሊዮን ሂል

ዕላማ እዛ መጽሓፍ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብዝቐልጠፈን ብዝቐለለን ኣገባብ መሸጣ ንምርካብ፡ ቀጥታ ክትጥቀመሎም እትኽእል ዝተፈላለዩ ሓሳባት፣ ስትራተጂታትን ኣገባባትን ንዓኻ ንምምሃር እዩ። ኣብ ዝስዕባ ገጻት ናይዛ መጽሓፍ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሰብካዮን ይከኣል’ዩ ትብሎ ዝነበርካን ንላዕሊ፡ ኣብ ገዛእ ነብስኻን ኣብ ናይ መሸጣ ዓውዲ ሞያኻን ዝያዳ ኣድማዒ እናኾንካ ክትቅጽል ኢኻ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ወይ’ውን ሰሙናት፡ ብኸመይ ንመሸጣኻን ንእቶትካን ብክልተ፡ ሰለስተ ወይ ውን ኣርባዕተ ዕጽፊ ከም እተበርኾ ክትመሃር ኢኻ።

እዛ መጽሓፍ ናይታ፣ The Psychology of Selling ዘርእስታ፣ ብዓለም ደረጃ ዓወት ዝረኸበት ኣስተምህሮይ፣ ብመጽሓፍ መልክዕ ዝተዳለወት ኢያ። እዛ መደብ ድሕሪ ምድላዋ፣ ናብ ዓሰርተው ሽዱሽተ ቋንቋታት ተተርጒማን፣ ኣብ ዕስራን ኣርባዕተን ሃገራት ከኣ ተገልግልን ኣላ። ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተራእያ እታ ኣዝያ ዝበለጸት ናይ መሸጣ ስልጠና መደብ’ያ።

View full details