Skip to product information
1 of 1

Lsan Welodey

ኩሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ

ኩሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ

Regular price 222.00 kr
Regular price Sale price 222.00 kr
Sale Sold out
Taxes included.
Quantity

ኵሉ እትሓስቦ ኣይትእመኖ (Don't Believe Everything You Think)

ትርጉም ኣማን ደስበለ ደራሲ ዮሴፍ ንጉየን

 

ኣብ ህይወትካ ምሉእ ሰላም ሓጐስን ናጽነትን ንምርካብ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ጥራይ ኢኻ ርሒቕካ ዘለኻንሳ ድማ "ዘይምሕሳብ" እያ።ጭንቀት ወጥርን ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብን ከም ሰንሰለት ኰይኖም ኣሲሮምኻ እንተ ጸኒሖም፡ እቲ ነዚ ዅሉ ስነ-ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ዝወልድ ናይ ሓቂ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ክትግንዘብ ግዜኡ ሕጂ እዩኣብዛ ህይወት እትቕይር መጽሓፍ፡ ዮሴፍ ንጉየን ንምንጪ ስቓይና ብሓድሽ ኣረኣእያ ዘቃልዕን ዘብርህን መገዲ የቕርብ። እዛመጽሓፍ እዚኣ ብዛዕባ እወታዊ ሓሳባት ምሕሳብ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባከመይ ገይርና ካብቲ ዘሳቕየና ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብ ሓራ ከም እንወጽእእያ እትምህር።

 

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብምንባብ፡ ሱር ጠንቂ ዅሉ ስቓይና ግዳማውያንፍጻሜታት ዘይኰነስ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳባትን ነቶም ፍጻሜታትእንህቦም ትርጉምን ከም ዝቕረጽ ክትግንዘብ ኢኻ። ኣብ መንጎ ሓሳባትን ምሕሳብን ዘሎ ፍልልይ ብምፍላጥ ድማ፡ ሓሳባት ብኸምኡ ክመጹኸለዉ ጸገም ከም ዘይብሎም ስቓይ ዝጅምር ግን ንሓሳባትና ካብመጠን ንላዕሊ ክንትንትኖምን ክንፈርዶምን ከለና ምዃኑ ክትመሃር ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ተመ ደቂ ሰባት ብኸመይ ከም ዝፍጠር ዘረድኡሰለስተ ኣድማሳውያን መትከላት (ኣድማሳዊ ኣእምሮ ኣድማሳዊቀልቢን ኣድማሳዊ ሓሳባትን) እንታይ ምዃኖም ክትፈልጥ ኢኻ። እዚጥራይ ዘይኰነስ፡ ከመይ ጌርካ ከይሓሰብካ ወይ ብዘይ ኣእምሮኣዊጫውጫውታ ኣብ "ዞና" ወይ ዋሕዚ ብምእታው ኣብ ስራሕካንህይወትካን ዝለዓለ ጥርዚ ብቕዓት ከተርኢ ከም እትኽእል ክትርኢ ኢኻ።ሓጐስ ፍቕርን ሰላምን ድሮ ኣብ ውሽጥኻ ዘለዉ ተፈጥሮኣውያንጸጋታት ምዃኖምን፡ ነዚኣቶም ንምምኳር ድማ ምሕሳብ ምቍራጽ ጥራይ ከም ዘድሊ ብምግላጽ ባህርያዊ ኵነተ-ህላዌኻ ክትርዳእ ክትሕግዘካ እያ።

 

እዛ መጽሓፍ ንኣእምሮኣዊ ወጥርን ጭንቀትን መዕረፊ ክረኽበሉ ዝደሊ ካብ ናይ ትማልን ጽባሕን ፍርሒ ወጺኡ ኣብዛ ህልውቲ ዓለምብሰላም ክነብር ዝደሊ ከምኡ እውን ውሽጣዊ ጥበቡን ዓቕሙንኣነቓቒሑ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዕብየት ክሰጋገር ንዝደሊ ዝዀነ ሰብእተዳለወ ህያብ እያ። ሸሪል ሳንበርግ ከም ዝበለቶ፡ "ነቲዘይተገንዘብናዮ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና፡ ሓንሳብ ምስተገንዘብናዮድማ ካብ ለውጢ ክንቦክር ኣይንኽእልን ኢና፡፡" ስለዚ ሕጂ ንውሽጣዊ ሰላምካ መገዲ ክፈተሉ ነዛ መጽሓፍ ኣንብባ እሞ፡ ህይወትካ ካብውሽጢ ናብ ደገ ክትቅየር ተዓዘብ።

 

 

View full details